ሓይልታት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ሶማልን ግጭት ኣካይዶም

RADIO ERENA – Wednesday, 11 December 2024

ኣብ መንጎ ቶም ብዳርዊሽዝፍለጡ ሓይልታት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን፡ ግጭት ከምዝተኻየደ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ማናራኒ ኣብ ዝተባህለ ሰሜናዊ ከተማ ራስካምቦኒ፡ ብረቡዕ 11 ታሕሳስ ዝተኻየደ ግጭት፡ መበገሲኡ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ይኹንምበር፡ ሓይልታት ዳርዊሽ ጁባላንድ፡ ኣብቲ ከባቢ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ናብ ዝርከበላ ኦዶው ክጽጋዕ ዝተዓዘበ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ሃንደበታዊ መጥቃቲ ከምዝኸፈተ ዮም ምንጭታት ታ ሃገር ዝጠቕሱ።

እታ ኣስታት 6 ኪሎሜተር ካብ ከተማ ራስካምቦኒ ርሒቓ እትርከብ ዒላ፡ ኣብቲ ከባቢ እታ እንኮ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝርከበላ ቦታ ብምዃና፡ ኣብ ከባቢኣ ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብጽኑዕ ዩ ዝሕልዋ።

ነቲ መጥቃቲ ዘበገሰውን ናብቲ ከባቢ ዝተጸግዑ ሓይልታት ጁባላንድ፣ ነታ ምንጪ ማይ ክቖጻጸሩዋዮም ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ ይግመት።

መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፡ ሓይልታቶም ኣብቲ ግጭት ጸብለልታ ከምዝነበሮም ክገልጽ እንከሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ግና ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየደቶ ምርጫ፡ ካብ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ኣሕመድ ማዶበ፡ ንሳልሳይ እዋኑ ፕረዚደንት ኮይኑ ምዕዋቱ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፡ ፈደራላዊ መምግስቲ ንዝደፍኣሉ ዘሎ ምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ኣብ ርእሲ ምቅዋሙ፡ ምስ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ወትሃደራውን ጸጥታውን ርክባት የካይድ ከምዘሎ ዩ ዝግለጽ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0