RADIO ERENA – Thursday, 05 December 2024
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ዘካየደ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ፣ ብ04 ሕዳር ናብ ከተማ ጁባ ኣትዩ።
ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ምስ ፕረዚንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣብ ጉዳይ ዶባት፣ ምውሓስ ጸጥታ ከምኡ ድማ ንግዲን ነዳዲን ብዝምልከት ተመያይጡ።
ጎኒ ጎኑ ድማ፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳን ብምምኽኻር፣ ዝምድንኦም ከሐይሉ ከምዝተረዳድኡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፣ ማጃክ ፊሊሞን ማጆክ፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረድኡ።
ኣንጻር እቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ጽዑቕ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ዘካይድ ዘሎ ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ደገፍቲ ጎረባብቲ ሃገራት ንምኽሳብ ኣብ ምንቅስቓስ ‘ዩ ዝርከብ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ ኣብ ምሕያል ዝምድናን ኵናት ሱዳን ኣብ ምፍታሕ ክሕግዙ ዝኽእሉ ነጥብታትን ብዝምልከት ከምዝተመያየጡ ይዝከር።
ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ድሕሪ ናይ ኣስመራ ዑደቱ ምስ ተመልሰ፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ንዝሓዘ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ባድር ዓብደልዓጢ፣ ኣብታ ቤት ጽሕፈቱ ደኵኑላ ዘሎ ፖርት ሱዳን ተቐቢሉ ከምዘዘራረበ‘ውን መርበባት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።
=========================
COMMENTS