ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ ኤርትራውያን ብመንገዲ ዓሰብ-ቡረ ሰጕጓ

RADIO ERENA – Wednesday, 04 December 2024

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራያን፣ ካብቲ ትማሊ 03 ታሕሳስ ኣትሒዙ፣ ብመንገዲ ዓሰብ ቡሬ ናብ ኤርትራ ይሰጎም ከምዘሎ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ዛጊት ኣብ ሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ ኣብዘን ክልተ መዓልታት፣ ናብ ኤርትራ ተሰጕጎም ኣለዉ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ተዳጕኖም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ምስጓግ መስርሕ ይቕጽል ከምዘሎ ውን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕውን ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝሰጎጎም ይዝከር።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ጽዑቕ ግፋ ከካይዱ ምውርሖም ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣብ ሸርፊን ሓዋላን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ወጻእተኛታት ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ተዛሪቡዩ።

ኣቐዲሙውን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ንምሓዝ፣ ተደጋጋሚ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ብወገን ሰብ ስልጣን ኢትዮጵያ ክጥቐስ ጸኒሑዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ናይ ግፋን ማእሰርቲን መስርሕ ብዝያዳ ናብ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ ኮይኑ፣ ፖለቲካዊ ዕላማን መልእኽትን ከምዘለዎዮም ሓያሎ ወገናት ዝኣምኑ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0