ሰራዊት ሱዳን፣ ስርሓት ቱርኪ ዝዓይነተን ድሮን ንመጀመርያ እዋኑ ናብ ኵናት ካርቱም ከምዘዋፈረ ኣፍሊጡ

RADIO ERENA – Wednesday, 04 December 2024

ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፣ ስርሓት ቱርኪ ዝዓይነተን፣ ባይራክታር ዝተሰምያ ሰብ ኣልቦ ነፈርዊ ውግእ ወይ ድሮን፣ ኣብ ከባቢ ካርቱም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከምዘዋፈረ ኣፍሊጡ።

ሱዳን ትሪቡን፣ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ሱዳን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እተን ድሮናት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዘን፣ ኣብ ከባቢ ካርቱም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ከምዝተዋፈራ ኣመልኪቱ።

እተን ድሮናት፣ ንከበድቲ ብረት ፈጣን ሓይልታት ወይ ዳዕም ሰሪዕ ኣብ ምድምሳስ ውጽኢታዊ ኣበርክቶ ይገብራ ምህላወን ዩ እቲ ወትሃደራዊ ምንጪ ጠቒሱ።

እተን ባይራክታር 2 ዝተሰምያ ድሮናት፣ ቱርኪ ንሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ብሓገዝ ዝሃበተን ድየን ወይስ ተዓዲገን ኣይተነጸረን።

ብኻልእ ወገን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንፈጣን ሓይልታት ሱዳን ወይ ዳዕሚ ሰሪዕ፣ ድሮናት ትህብ ኣላ ክብል ሰራዊት መግስቲ ሱዳን ከሲሱ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን፣ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ሳልሕ ዓቦድ፣ ብ02 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ዝተራቐቓን ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዛን ድሮናት፣ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ትህብ ምህላዋዩ ወቒሱ።

እታ ዓረባዊት ሃገር፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ቅሉዕ ተጻብኦ ትፍጽም ምህላዋ ዘነጽር ዩ ክብል ሚኒስተር ምክልካል ሱዳን፣ ያሲን ኢብራሂም ብወገኑ ኮኒኑ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ካብ ቻድ ንዝኣትዋ ዝነበራ ዓበይቲ ወትሃደራውያን መካይንን ድሮናትን ከምዘዕነወ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ደቡብ ዳርፉር፣ ከባቢ ከተማ ኒያላ ዝተኻየደ ሰርሒት፣ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ብልፍንቲ ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት እቲ ዞባ ዘካየድዎ ምዃኑዩ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙንውን፣ ንሊብያን ቻድን ብዳውብ መንገዲ ናብ ሱዳን ዝኣቱ ዝነበረ ኣጽዋር ከምዘዕነወ ንኣፈኛ ቲ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ፣ ኣሕመድ ሑሰን ሙስጠፋ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ብ21 ሕዳር ከምዝተኻየደ ዝተገልጸ ስርሒት፣ ሓያሎ ኣጽዋር ከምዝተማረኸብ፣ ዕሱብ ደላሊ ኣጽዋር ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገመተ ኮሎምብያዊ ከምዝተቐትለን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ጽዑቕ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ ዩ ዝርከብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0