ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ንዝተኻየደ ምርጫ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ

RADIO ERENA – Thursday, 28 November 2024

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ብ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ንዝተኻየደ ምርጫ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ንምርጫ ጁባላንድ ዝነጸጎ፣ ሕጋዊን ቅዋማዊን መስርሕ ኣይተኸተለን ብምብላ’ዩ።

ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ካብ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ፣ ሓደ ካብ ጎይቶት ኵናት ሶማል ዝነበረ፣ ኣሕመድ ማዶበ፣ ኣከታቲሉ ን3ይ ግዜኡ’ዩ ተዓዊቱ።

ኣኽባር ሕጊ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ናይ ክሲ ፋይል ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከእቱ ምዃኑ፣ ኣፈኛ እቲ መንግስቲ ፋራሕ ጂማል ገሊጹ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዙ፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብውክልና ቀቢላታት ዘይኮነ፣ ህዝቢ ብቀጥታ ብዝህቦ ድምጺ ክኸውን ‘ዩ ወሲኑ ዘሎ።

እንተኾነ፣ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዝተሓቝፋ ርእሰ ምምሕዳራት፣ ነቲ መስርሕ ዕንቅፋት ክፈጥራ ከምዝኽእላ ተንተንቲ የረድኡ።

ካብ 1991 ኣትሒዛ፣ ናይ ገዛእ ርእሰ ምምሕዳር ዝኣወጀትን፣ ከም ሉኣላዊት ሃገር ተቐባልነት ንምርካብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያዊን መስርሕ ኣብ ምክያድ እትርከብን ሶማሊላንድ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየደቶ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ምምጽኡ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0