ሶማልን ቱርኪየን ተወሳኺ ወትሃደራውን ጸጥታው ስምምዕ ከቲመን

RADIO ERENA – Wednesday, 27 November 2024

ሶማልን ቱርኪየን፣ ኣብ ወትሃደራዊን ጸጥታውን መደባይ ክተሓጋገዛ ዘኽእለን ስምምዕ ከቲመን።

እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል፣ ኣብ ምድህሳስ ነዳዲን ጋዝን እትዋፈር መርከብ ስርሓ ብወግዒ ንምጅማር ክልቲኦም መንግስታት ናይ መወዳእታ ክታሞም ኣብ ዘንበርሉዩ።

እታ መርከብ፣ 5000 ትርብዒት ኪሎሜተር ኣብ ዝሽፍን ስፍሓይ ክሊ ማይ ሶማል፣ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ዳህሳስ ነዳዲን ጋዝን ከተካይድያ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ቱርኪየ፣ ጎኒ ጎኒቲ ኣብ ሶማል እተካይዶ ዘላ ኣብ ዳህሳስ ነዳዲን ጋዝን ዘተኮረ ወፍሪ፣ ንሶማል ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ገማግም ባሕራ ክትደጋገፋን፣ ካልእ ወትሃደራዊ ሓገዛት ከተበርክተላንያ።

ኣብ ቱርኪየ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል፣ ዓብደልቃድር መሓመድኑር፣ ነቲ ኣብ ጸጥታን ወትሃደራዊን ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ መረዳድኢ ሰነደ ከምዝተመሉ መርበባት ዜና ሓቢረን።

እቲ ሚኒስተር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣንካራ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ቱርኪየ፣ ከቭደት ይልማዝን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እ ሃገርን ብምርኻብ ኣብ ወትሃደራዊን ቁጠባን መደዳያት ብምትኳር ከምዝተመያየጠውን ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ቱርኪየ፣ ኣብ ምስልጣን ሶማላውያን ወትሃደራውትን ወትሃደራዊ ንዋት ኣብ ምብርካትን፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከምእትሕግዞ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0