ሱዳን ዝመደበሩ፣ መንገዲ ኣየር ታርኮ፣ ካብን ናብን ኣስመራ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ይጅምር

RADIO ERENA – Tuesday, 26 November 2024

ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ፣ መንገዲ ኣየር ታርኮ፣ ካብን ናብን ኣስመራፖርት ሱዳን፣ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ዘቖመ፣ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር፣ ብዘይካ ናብ ፖርት ሱዳን፣ ካብን ናብን ኣስመራጁባ፣ ካምፓላን ሪያድን ውን ቀጥታዊ በረራታት ሰሩዑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

11 ቦይኒንግ 737 ዝዓይነተን ናይ መጓዓዝየ ነፈርቲ ዝውንን መንገዲ ኣየር ታርኮ፣ 2009 ዝተበገሰ ኮይኑ፣ ብጠቕላላ ኣስመራ ናብ እትርከበን፣ 15 ከተማታት ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ዱባይ፣ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ናይ መጓዓዝያ በረራታት የካይድ።

ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ፣ ባድር ዝተባህለ ካልእ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ውን ናብ ኣስመራ ስሩዕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምክያድ መደብ ከምዘለዎ ይግለጽ።

መንገዲ ኣየር ባድር፣ ንሕጃን ዑምራን ናብ ስዑዲ ዓረብ ንዝገሹ ኤርትራውያን፣ ከከም ምርጭኦም ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ብምስኣኖም፣ ብኩንትራት ከምዘበጻጽሖም ይዝከር።

ድሕሪ ምቑራጽ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ፣ ካብን ናብን ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ከምኡ ውን ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝጓዓዙ ገያሾ፣ ብዙሕ ኣማራጺታት እናሰኣኑ ይመጹ ከምዘለዉ ይሕበር።

ናይ ገዛእ ርእሱ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክውንን ዘይክኣለ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንወጻእተኛታትን ኤርትራውያን ኣውፈርቲን፣ ኣስመራ ዝመደበሩ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ከየቝሙ ብዙሕ ናይ ፖሊሲታት መሰናኽል ከምዝገብርዩ ዝውቀስ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0