RADIO ERENA – Saturday, 09 November 2024
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2024፡ ኣብ ናይ ገዛ ጸሎት እናገበሩ ዝሓዝዎም 23 ኣመንቲ መሰኻክር ጅሆቫ፡ ኣብ ማይ ስርዋ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዘለዎ ተገሊጹ።
እቶም ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣብ መንበሪ ቤት ወይዘሮ ለተብርሃን ተስፋይ ዝተባህላ ጓል 85 ዓመት ኣደ፡ ኣብ ጸሎት ንዝነበሩ 25 ኣመንቲ መሰኻክር ጅሆቫ ከምዝኣሰሩ‘ዩ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኣካል እቲ እምነት ገሊጹ።
እንተኾነ፡ እቶም ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብምዃኖም ድሒሮም ክፍትሑ እንከለዉ፡ እቶም 23 ግና ናብ ማይ ስርዋ ከምዝተወሰዱ ኣፈኛ ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ፡ ጓል 85 ዓመት ኣደይ ለተብርሃን‘ውን ሓንቲ ካብቶም ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲረን ስቓይ ዘሕልፋ ዘለዋ‘የን።
ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ራፖርተር፡ ዶ/ር መሓመድ ባቢከር ብወገኑ፡ ንማእሰርቲ እቶም ኣመንቲ መሰኻኽር ጅሆቫ ብዝምልከት፡ ብ30 ጥቅምቲ ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።
ኣብ ኤርትራ፡ ካብ 1993 ኣትሒዙ ልዕሊ 270 ኣመንቲ መሰኻክር ጅሆቫ በብእዋኑ ከምዝተኣስሩ ጸብጻብ እቲ ሃይማኖታዊ ትካል የመልክት።
ሓያሎ ካብኣቶም፡ ንልዕሊ 25 ዓመታት ዝተኣስሩ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን‘ዚ 65 ኣመንቲ መሰኻክር ጂሆቫ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ከምዘለዉ ይጥቀስ።
ኣብ 2018፡ ን10 ዓመታት ዝተኣስሩ፡ ኣቶ ሃብተሚካኤል ሃብተማርያምን፡ ኣቶ ሃብተሚካኤል መኮነንን ዝተባህሉ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት ዝነበሩ ክልተ ኣቦታት፡ ኣብ ማይ ስርዋ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ፡ ፓትርያርክ፡ መሻይኽ፡ መነኩሳት፡ ኣቕሽሽቲ፡ ዲያቆናትን ፓስተራን ዝርከብዎም ኣማኢት መራሕቲ ዝተፈላለያ እምነታትን ተራ ኣመንትን በብዋኑ ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ።
ገሊኦም ንኣስታት 30 ዓመታት ዝተኣስሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ እምነቶም ብዝወረዶም መግረፍቲን ካልእ ግፍታትን ህይወቶም ዝሰኣኑ፡ ዝሰንከሉን ደሃዮም ዝጠፍአን ከምዘለዉ ‘ውን ብሰነድ ተታሒዙ ይርከብ።
=================
COMMENTS