ኣብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ቆላሕታ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ይሓቱ

ኣብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ቆላሕታ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ይሓቱ

Radio Erena : 06 April 2015

Refugees in yemen

ኣብ የመን ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን፣ ናብ ዝዕቖብዎ ስኢኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበርሰብ ይሓቱ ኣለዉ።

ኣብ መዓስከራት ንዝርከቡ ስደተኛታት ይኹኑ ብሰንኪ እቲ ኵናት ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉ ሰባት፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ደብዳብ ን24 ሰዓታት ደው ክብል ብቀይሕ መስቀል ዝቐረበ ጻውዒት’ውን ተቐባለትነት ኣይረኸበን።

ሩስያ’ውን ተመሳሳሊ ጻውዒት እኳ እንተቐረበት፣ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ክሳብ ሎሚ ደው ኣይበለን።

 

ኣብ የመን ዝርከቡ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን’ውን ኣብ ከተማታት ሖዴዳ፣ ጣይዝን ሰንዓን ከምዝርከቡ ዝፍለጥ’ዩ።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ኣብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዛዕባ ኩነታቶም ዝምልከት ንሬድዮ ኤረና ዝሃብዎ ዝርዝራዊ መግለጺ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተኸታተሉ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0