ንክልተ ዓመታት ብዘይፓትርያርክ ዝጸንሐት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ መበል ሻድሻይ ፓትርያርክ ክትመርጽ ምዃና ኣፍሊጣ

RADIO ERENA – Thursday, 06 November 2024

ካብ 2022 ኣትሒዛ፣ ብዘይ ፓትርያርክ ዝጸንሐት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ መበል ሻድሻይ ፓትርያርክ ክትመርጽ ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲን ማእሰርቲ መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ፣ ብጽእ ወ ቅዱስን ኣቡነ እንጠንዮስን፣ ኣብ ክልተ ተገማሚዓ፣ ኣብ ውግዘትን ብዘይ ዕርቂን ትነብር ዘላ ቤተ ክርስትያን፣ ካብ 2004 ክሳብ 2007 ከምኡ ድማ ካብ 2015 ክሳብ 2021 ንክልተ እዋናት ብዘይ ፓትርያርክ ከምዝጸንሐት ይዝከር።

እታ ቤተ ክርስትያን፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ብህይወት ኣብ ማእሰርቲ እንከለዉ፣ ብድፍኢት መንግስቲ፣ ኣብ 2007 መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ክትመርጽ ከምዝተገደደትዩ ዝንገር።

እንተኾነ፣ መበል ራብዓይ ኮይኖም ዝተመርጹ፣ ፓትርያር ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ብብዙሓት ገዳማት፣ መነኩሳት፣ ኣቕሽሽቲ፣ ዲያቆናትን ምእመንን ተቐባልነት ከምዘይነበሮም ይፍለጥ።

ዝበዝሐ እዋኖም ተደኒሶም ብሕማም ዘሕለፍዎ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ኣብ 2015 ምስ ዓረፉውን፣ እታ ቤተ ክርስትያን፣ ንዕርቂ ዝኸውን ግዜ ንምርካብን ብህይወት ኣብ ማእሰርቲ ንዝነበሩ ኣቡ እንጠንዮስ ናብ መንበሮም ንምምላሶምን ብዝብል፣ ንሽዱሽተ ዓመታት ብዘይ ፓትርያርክ ያ ጸኒሓ።

እንተኾነ፣ እቲ ሽርሒ ህግደፍን ደገፍቶም ዝኾኑ ኣባላት ሲኖዶስን ሊቃነ ጳጳሳትን ኔርዎዩ ዝተባህለሉ፣ ናይ ዕርቂን ንኣቡነ እንጠንዮስ ናብ መንበሮም ናይ ምምላስን መድርሕ ስለዘይሰመረ፣ ኣብ 2021 ኣቡነ ቄርሎስ መበል ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኮይኖም ተሸይዎምም።

18 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ፣ ንፍትሒ፣ ሓቕን እምነትን ደው ብምባሎም ዝፍለጡ፣ መበል ሳይሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ 2022ዓሪፎም።

ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሖም ድማ መበል ሓሙሻይ ዝተሸሙ ኣቡነ ቄርሎስ ኣርኮቦሞም።

ብኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ውግዘት ከይተላዕለላን ምሉእ ዕርቂ ከይገበረትን ትቕጽል ዘላ ቤት ክርስትያን፣ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ደውታ ድማ እንሆ ሕጂ ሻዱሻይ ፓትርያርክ ክትመርጽ ምዃና፣ ብ06 ሕዳር ኣፍሊጣ ኣላ።

እዚ ብሕጂ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ ፓትርያርክ፣ ከም ናይ ዝሓለፈ እዋንት፣ ሽርሕን ኢድን መንግስቲን መሳርሕቱ ዝኾኑ ኣባላት ሲኖዶስን ይህልዎ ዶ ኣይህልዎን ድማ ግዜ ክምለሶዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0