መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ደው ኣቢሉ

RADIO ERENA – Tuesday, 05 November 2024

መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንክሊ ኣየር ኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንግዜኡ ደው ከምዘበለ፣ ብ03 ሕዳር፣ ኣፍሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ነዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ዘዋስን ክሊ ኣየር ቀይሕ ባሕሪ ዘካይዶ በረራ ደው ከብል ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ኣብረርቱ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዑል ብራኽ ዘንጸባርቅ ነገራት ስለዝተዓዘቡ ምዃኖምዩ ጠቒሱ።

ድሕነት ተሳፈርቲን ሰራሕተኛታቱን ንምሕላውን፣ ውሑስ ጉዕዞ ዓማዊሉ ንምርግጋጽን፣ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደዩ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ ዘረድእ።

ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ መራኽብ መጥቃዕቲ ዘካይድ ዘሎ ሑቲ ናይ የመን፣ ናብ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲውን ሚሳይላት ክውንጭፍ ይኽእልዩ ዝብል ስግኣት ሓደ ካብቲ ንመንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ በዚ ክሊ ኣየር ዘካይዶ በረራታት ደው ከብል ዘገደደ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ልዕሊቲ ናይ ሑቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ምውጣጥ ኢትዮጵያን ሶማልን ከምኡ ድማ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ተዋሃሲ ኩነታትን፣ ንሓያሎ ኩበንያታት መጓዓዝያ ባሕሪ፣ መንገደን ብደቡብ ኣፍሪቃ ክቕይራ የገድድ ከምዘሎ ይንገር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0