RADIO ERENA – Monday, 04 November 2024
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 5568 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓጸዋ፣ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ሓምራ 4,178፣ ኣብ ክልል ትግራይ 648፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 420፣ ኣብ ክልል ሶማል 195፣ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 50፣ ኣብ ክልል ጋምቤላ 40፣ ኣብ ክልል ዓፈር 26፣ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ድማ 8 ኣብያተ ትምህርቲ‘የን ተዓጽየን ዘለዋ።
ምዕጻው ኣሽሓት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንሚልዮናት ተማሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝእለዩ ጌሩ ኣሎ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ልዕሊ 85 ሽሕ ከብትን ጤለበ ጊዕን ብሰንኪ ደርቂ ከምዝሞታ፣ ንናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምጥቃስ እቲ መርበብ ዜና ኣቃሊሑ።
ብዘይካ‘ዚ ኣብዚ እዋን‘ዚ ኣብ ሃገር ልዕሊ 8 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ እቲ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከምዘለዉ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምትቓስ ዘ ሪፖርተር ዘቃልሐ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልምዓታዊ መደባትን ቁጠባዊ ዕብየትን ዓበይቲ ዓወታት ከምዘመዝገበት ድሕሪ ምግላጹ‘ዩ።
==============
COMMENTS