RADIO ERENA – Thursday, 31 October 2024
ተስፋኣለም ዝተባህለ ወዲ 40 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ጀርመን፣ ንጓል 12 ዓመት ጓሉ ብዓመጽ ብምጥናሱ ከምዝተኸሰሰ፣ ቢልድ ዝተባህለ መርበብ ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።
ብመሰረት ኣኽባር ሕጊ ጀርመን ዘቕረቦ ክሲ፣ እታ ቆልዓ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከቢድ ቅርጸት ተሰሚዑዋ፣ ናብ ሕክምና ምስ ከደት’ያ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥንሲ ከምዘለዋ ተፈሊጡ።
እታ ቆልዓ፣ ኣብ ከባቢ 23 ሓምለ 2023 ጥንሲ ከምዝሓዘት ድማ ሕክምናዊ መርመራ ኣጻርዩ።
ነቲ ጉዳይ ንምጽራይን ዘጥነሳ ንምፍላጥን፣ ዘርኢ ዝፈሊ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ኣብ ዝተገብረላ እዋን ድማ፣ ካብ ቀዳሞት ጥርጡራት ኣቦኣ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።
ኣቦኣ ነቲ ገበን ውዒልዎ እንተኾይኑ መርመራ ምስ ዝተብግገሉ፣ ኣብቲ ዕለት እቲ ምስ ኣዕርኽቱ ንነዊሕ ሰዓታት ቢራ ክሰትዩ ስለዝወዓሉ፣ ናብቲ ብዝግያውነት ተዓቝቦምሉ ዝነበሩ፣ ኣብ ፋይቦርግ ዝርከብ መጽንሒ ስደተኛታት ምስ መጸ ዝገበሮ ነገር ከምዘይዝክሮ’ዩ ቃል ምስክርነቱ ሂቡ።
እንተኾነ ነቲ ፍጻሜ ኣይከሓዶን።
በቲ ኣብ ልዕሊ ጓሉ ዝተፈጸመ ዓመጽ ከቢድ ጓህን ሓዘንን ከምዝስምዖ’ውን ተዛሪቡ።
እታ ቆልዓ፣ ኣብ 12 ዓመት ዕድሚኣ፣ ብዓመጽ ከምዝጠነሰትን ኣደ ክትከውን ድማ ከምዘይትኽእልን ስለዝተወሰነ ወላዳ፣ ነቲ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዝነበረ ዕሸል፣ ብሕክምና ካብ ማህጸና ክእለ ከምዝተሰማምዑ እቲ መርበብ ዜና ኣገንዚቡ።
እታ ኣብዚ እዋን’ዚ ጓል 13 ዓመት ልይና ዘላ ቆልዓ፣ ስነ ኣምሮኣዊ ኣልያ እናተገብረላ ኣብ ፍሉይ ቦታ ተዓቚባ ኣላ።
==================
COMMENTS