RADIO ERENA – Monday, 28 October 2024
ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፣ ኣብ ዞባ ኣል ጀዚራ ኣብ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 120 ሰባት ከምዝቐተሉ ማሕበር ሓካይም እታ ሃገር ሃገር ወቒሱ።
እቶም ብ ‘ዳዕም ሰሪዕ‘ ዝፍለጡ ሓይልታት፣ ካብ 20 ክሳብ 25 ጥቅምቲ፣ ኣብቲ ዞባ ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 45 ሽሕ ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ከምዝተመዛበለ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።
ዳዕም ሰሪዕ፣ ኣዛዚ ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ሓይሉ፣ ጀነራል ኣቡ ዓቕላ ካኪል፣ ብ20 ጥቅምቲ፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፣ ሕነ ንምፍዳይ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየዶ‘ዩ ተሓቢሩ።
ምስ ሓያሎ ኣባላቱን ወትሃደራዊ ንዋትን ናብ ሰራዊት መንግስቲ ኢዱ ዝሃበ ጀነራል ካኪል፣ ትውልዲ ዓዱ ኣብ ኣል ጀዚራ ብምዃኑ፣ ዳዕም ሰሪዕ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ይወስድ ከምዘሎ ክግለጽ ‘ዩ ጸኒሑ።
ሓይልታት ዳዕሚ ሰሪዕ፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ፣ ኣልማማ መቕተልቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ዳርፉር ይፍጸም ምስ ዝነበረ ዝመሳሰል፣ ጾታዊ ዓመጽ ደቂንስትዮን ካልእን ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ ነበርቲ ኣልጀዚራ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።
እቶም ሓይልታት ልዕሊ 150 ዝኾኑ፣ መብዛሕቶም መንእሰያት ተወልድቲ ዞባ ኣልጀዚራ፣ ጨውዮም ከምዝወሰድዎም እቶም ነበርቲ ብተወሳኺ ጠቒሶም።
====================
COMMENTS