ኣብ ዓለም፣ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ተገሊጹ

RADIO ERENA – Wednesday, 23 October 2024

ብደረጃ ዓለም፣ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ናይ 17 ጥቅምቲ 2024 ጸብጻቡ፣ እቲ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ካብዚ፣ ኵናትን ግጭታትን ኣብ ዝበዝሖ ሃገራትን ዞባታትን ዝነብር ምዃኑዩ ኣስሚርሉ።

ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብረሉ ዞባ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብቲ ሕቡራት ሃገራት መጽናዕቲ ካብ ዝሰፈራ 112 ሃገራት ብተናጸል ድማ ህንዲ ብ234 ሚልዮን፣ ፓኪስታን ብ93 ሚልዮን፣ ኢትዮጵያ ብ86 ሚልዮን፣ ናይጀርያ ብ74 ሚልዮን፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብ66 ሚልዮን ድማ ካብተን ቀዳሞትየን።

እዘን ሃገራት፣ ዝበዝሐ ኣብ ድኽነት ዝነብር ህዝቢ እኳ እንተለወን፣ ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምንጽጻር ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀዳሞት 10 ድኻታት ተባሂለን ዝተሰርዓ ግና፣ኒጀር፣ ቻድ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ብሩንዲ፣ ማዳጋስካር፣ ማሊ፣ ጊኒ፣ ኢትዮጵያ፣ ቡርኪናፋሶን፣ ጊኒ ቢሳውንየን።

ብኣንጻር እዚ፣ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዜጋታተን ዝሓሸ መነባብሮ ዘለወን ተባሂለን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊረን ዘለዋ ቀዳማት፣ ሲሸልስ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንግስነት ኤስዋቲኒ፣ ጋቦን፣ ሳኦ ቶመን ፕሪንሲፕን፣ ቦትስዋና፣ ኮሞሮስ፣ ሌሴቶን ዚምባብዌንየን።

ከም ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳን፣ ሶማልን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃውን ምስ ቀዳሞት ድኻታት ሃገራት ዝስራዓ እኳ እንተኾና፣ ኣብዚ ናይዚ ዓመትዚ ናይ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) መጽናዕቲ ኣይተኻተታን።

እቲ መጽናዕቲ ደረጃ ድኽነት ንምምዛን ዝተጠቕመሉ ረቛሒታት፣ዓመታዊ እቶት ዜጋታት፣ መነባብሮ፣ ዕለታዊ መሰረታዊ መግቢ፣ ቀረብ ኣገልግሎታት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ መብራህቲ፣ ማይን ንጽህናን ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0