ኣብ ሱዳን፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምውፋር ውጥን ከምዘየለ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ገሊጹ

RADIO ERENA – Thursday, 10 October 2024

ኣብ ሱዳን፡ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ንምርግጋጽ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምውፋር ውጥን ኣሎእናተባህለ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ሓቕነት ከምዘይብሉ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን፡ ቶም ፐርየሎ ሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣቐዲሙ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ተኽእሎታቱ ብዝምልከት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝዘተየ ዩ ኣሚቱ።

ንሱ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ንዘሎ ኩነታት ንምክትታልን መፍትሒ ኣብ ምንዳይን ቲ ዝሓሸ ግደ ክጻወት ይኽእልዩ ዝብል እምነት እኳ እንተለዎ፡ ብዛዕባ ምውፋር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ግና ዝኾነ ውጥን ከምዘየለዩ ኣረጋጊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ቶም ፐርየሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባጋት ሱዳን ዑደት ከካይድ መዲቡ ከምዘሎዩ ዝግለጽ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን፡ ብዳዕም ሰሪዕ ዝፍለጡ ፈጣን ሓይልታትን ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዙ ዝተወልዐ ኲናት፡ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍትሑ ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ካልኦት ኣካላት ዝተኻየደ ፈተነታት ኣይተዓወተን።

ኣብ ትሕቲ ፈጣን ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢታት ይቖጻጸር ከምዘሎ ዝገልጽ ሰራዊት መንግስቲ፡ ኲናት ክቕጽል ምዃኑ ዩ ዝሕብር።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ድማ ከምዝቖሰሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ርእሲዚ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ታ ሃገር ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ተመዛቢሎም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0