ፕረዚደንት ግብጺ፣ ናብ ኤርትራ ታሪኻዊ ዑደት የካይድ

RADIO ERENA – Thursday, 10 October 2024

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ስራሕ ንምፍጻም፣ ብ10 ጥቅምቲ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፣ ብዛዕባ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ህሉው ዞባዊ ኩነታትን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክመያየጥዩ።

ኣብ ታሪኽ ዝምድና ኤርትራን ግብጺ፣ መራሒ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ እዚ ናይ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ናይ መጀመርያዩ።

ኣል ሲሲ ብዘይካዚ፣ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ናብ ኣስመራ ምስ ዝኣተወ፣ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ስሉሳዊ ዘተ ከካይዱ ትጽቢት ይግበር።

መራሕቲ ኤርትራ፣ ሶማልን ግብጺን፡ ኣብ ኣስመራ ዘካይድዎ ርክብ፣ ብኣውርኡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ምስ ሶማልን ኤርትራን ዘለዋ ህሉው ኩነታትን ንምዝታይ ምዃኑ ዮም ወሃብቲ ርእይቶ ዝጠቕሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ሶማል ኣብ ምፍጣጥ ክርከብ እንከሎ፣ ምስ ኤርትራ ዝጸንሖ ዝምድናውን ሻሕኪሩ ከምዘሎዩ ዝግለጽ።

ግብጺ፣ ናብ ሶማል ኣጽዋር ከተዋፍር እንከላ፣ ኤርትራ ብወገና ኣሽሓት ሶማላውያን ወትሃድራት ኣብ ምስልጣን ትርከብ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0