ንዝተፈላለየ ትካላት መንግስቲ ዝወከለ ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ

RADIO ERENA – Wednesday, 09 October 2024

ንዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ዝወከለ ልኡኽ ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ከምዘካየደ ኤምባሲ ኢጣልያ ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

እቲ ኤምባሲ፡ ብ07 ጥቅምቲ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፡ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ከምኡ ድማ ምትሕግጋዝ ንልምዓት ኢጣልያን ዝሓቖፈ ወኪል፡ አብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተራኺቡ።

ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ምስ ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪታት ጉዳያት ወጻኢ፡ ሕርሻ፡ ጥዕናን ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ተዘራሪቡ።

ልኡኽ ኢጣልያ፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፡ ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ንዝካየዱ ዘለዉ ልምዓታዊ መደባት ተዓዚቡ።

ብሓገዝ ኢጣልያ፡ መጽናዕቲ ስነ ጥንቲ ይካየደላ ናብ ዘሎ ኣዱሊስ ውን ከምዝበጽሐ ኤምባሲ ኢጣልያ ካብ ኣስመራ ጠቒሱ።

ኢጣልያ፡ ምስ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት መደባት ንምምዋልን ወፍሪ ንምትብባዕን ውጥናት ከምዘለዋ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0