ጂቡቲ ምስ ኤርትራ ዝምድና ክትስርት ከምእትደሊ ገሊጻ

RADIO ERENA – Tuesday, 08 October 2024

ጂቡቲ ምስ ኤርትራ ዝድምና ክትምስርት ከምእትደሊ ገሊጻ።

ቀዋሚ ወኪል ጂቡቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምባሳደር መሓመድ ሰይድ ዱል፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ክትዝቲ ቅርብቲ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ኤርትራ፣ ኣብ 2008 ኣብ ዶብ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ናይ ዝማረኸቶም ወትሃደራት ጂቡቲ ሃለዋት ከተፍልጥ፣ መንግስቲ ጂቡቲ ከም ቅድመ ኩነት ከምዘቕርቦ እቲ ኣምባሳደር ኣዘኻኺሩ።

ብኤርትራ ድሕሪ ምምራኾም ደሃዮም ዝጠፍአ ወትሃደራት ጂቡቲ ኣለዉዝበለ እቲ ኣምባሳደር፣ መንግስትን ህዝብን ጂቡቲ ብኣውርኡ ድማ ስድራቤታቶም ሃለዋቶም ክፈልጡ ከምዝደልዩ ኣገንዚቡ።

ኣብ ግንቦት 2008 ኣብ መንጎ ጂቡቲን ኤርትራን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ካብ ወገን ኤርትራ 21 ካብ ወገን ጂቡቲ ድማ ብውሕዱ ሸሞንተ ከምዝተማረኹዩ ተገሊጹ።

ሓደ ካብቶም ኤርትራውያን ምሩዃት ብዝነበሮ ከቢድ መውጋእቲ ጸኒሑ ክመውት እንከሎ፣ ካልእ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ ብሕማም ከምዝዓረፈ ድሒሩ ተሓቢሩ።

እቶም ዝተፈሩ 19 ኤርትራውያን ምሩዃት ግን፣ ብምትሕብባር ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራውያን ትካላት ግብረ ሰናይን፣ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ካናዳ ክጣየሱ ከምዝኸኣሉ ይፍለጥ።

ብዛዕባቲ ኵናት ይኹን ምትሓዝ ጂቡታውያን ወትሃደራት ውግዓዊ መግለጺ ዘይሃበ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ቀጠር ኣብ ዝካየድ ዝነበር ናይ ሽምግልና መስርሕ፣ ንኣርባዕት ምሩዃት ኵናት ጂቡቲ ከምዘፋነዎም ይዝከር።

እንተኾነ ጂቡቲ፣ ገና ብኤርትራ ዝተማረኹ ወትሃደራት ኣለውኒ ያ ትብል ዘላ።

ንገዛእ ምሩኻቱ ከይተረፈ ዝኸሓደ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ጂቡቲ እትሓተሎም ዘላ ወትሃደራት ብዝምልከት ውን ሓበሬታ ብዘይምሃቡ ይንቐፍ።

ቀጠር፣ ምስ ኤርትራን ጂቡቲን ዝነበራ ዝድምና ድሕሪ ምሕርፋፉ፣ ነቲ ናይ ሽምግልና መስርሕ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት፣ ኣብ 2017 ምስ ኣቛረጸቶ፣ ዛጊት ብዘይዝኾነ መንጎኛዩ ኣብ ጠልጠል ዝርከብ።

ጂቡቲ፣ እቲ ናይ 2008 ኵናት፣ ዶባዊዩ ክትብሎ እንከላ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ብምዕራባውያን ዝተደፋፍአ፣ ዘይምኽንያታዊ ምዃኑዩ ዝጠቕሶ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0