ላምፔዱሳ፣ መበል 11 ዓመት ናይቲ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ሓደጋ ምጥሓል ተዘኪሩ

RADIO ERENA – Thursday, 03 October 2024

መበል 11 ዓመት፣ ናይቲ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኣስታት360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱሳ ተዘኪሩ።

ድሕሪቲ ንመላእ ዓለም ዘዛረበን ዘሕዝን ናይ 03 ጥቅምቲ 2013 ሓደጋ፣ ሓያሎ መንግስታትን ህዝብታትን ዓለም፣ ንግዳያት እቲ ምጥሓል፣ ዝተፈላለየ ናይ ዝኽሪ መደባት ክሰርዕሎም እንከለዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ናይ ሓዘን መዓልቲ ከይኣወጀሎም ዩ ሓሊፉ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ሓዘን ዝሸመመ ሓደጋ ባሕሪ፣ ብፍላይ ኣብታ ንዝኽሮም ሓወልቲ ዝቖመላ ላምፐዱሳ፣ ዓመታዊዩ ዝዝከር።

ሬሳ ናይቶም ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ ኣስታት 360 ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ብእኩብ ክርከቦም ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ገሊኦም ኣብ ሲሲልያ ክቕበሩ እንከለዉ ናይ ገሊኦም ከኣ ክሳብ እዚ እዋንዚ ኣብ ጋህሲ ተደፊኑ ይርከብ።

ድሕሪዚ ንኤርትራውያን ዘሰንበደ፣ ሓደጋ ላምፔዱሳ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 11 ዓመታትውን ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ክጎድል ብዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ገማግም ባሕሪ ፈረንሳን ተደጋጋሚ እዋን ምጥሓል ኣጋጢሙዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ናብ ብሪጣንያን ክሰግሩ ዝፈተኑ፣ ብድምር ኣስታት 15 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ጥሒሎም ሞይቶምዮም።

ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክገበረሎም ምድላዋት ኣካይዱ እኳ እንተነበረ፣ ናይ ቀረባ ቤተሰቦም ክሳብ ዝርከከብዎም፣ ሬስኦም ኣብ ሆስፒታል መጽንሒ ሬሳ ተታሒዙ ከምዘሎ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0