እስራኤል ንሑቲ ተጥቅዕ፣ ሑቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ይቕጽል

RADIO ERENA – Wednesday, 02 October 2024

እስራኤል ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቓዛን ሊባኖስን ተካይዶ ዘላ መጥቃዕታት፣ ካብ ሑቲ ንዝመጽኣ ዘሎ ተጻብኦታት ንምግታእ ብዝብል፣ ኣብ ወደብ ሖደይዳ ደብዳብ ኣካይዳ።

እቲ ካብ 29 መስከረም ኣትሒዙ ዝጀመረ ካልኣይ ዙርያ ደብዳብ፣ ብሰሉስ 01 ጥቅምቲ ውን ቀጺሉ።

በቲ ደብዳብ፣ ኣብ ከባቢ ወደብ ሖደይዳ ከቢድ ባርዕ ከምዘስዓበ እኳ እንተተሓበረ፣ ዛጊት ኣብ ሰብን ንብረትን ዘብጽሖ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

እስራኤል ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ሑቲ፣ ኣብዚ ሳልስቲዚ ናብ ቴልኣቪቭ ዝወንጨፎ ሚሳይላትያ ነቲ ደብዳብ ኣካይዳ።

ኣንጻር እስራኤልን ደገፍታን ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት ክቕጽል ምዃኑ ዝሕብር ሑቲ ብወገኑ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንእትሓልፍ ዝነበረት ናይ ንግዲ መርከብ፣ ዕንወት ከምዘውረደላ ተሓቢሩ።

እታ ዛጊት ዋንነታ ዘይተነጸረ መርከብ፣ 110 ኪሎሜተር ካብ ወደብ ሖደይዳ ርሒቓ እናተጓዕዘት እንከላዩ ሑቲ ብድሮን መጥቃዕቲ ኣካይዱላ።

ኣብ ገለ ክፋላት ዕንወት ክወርዳ እንከሎ፣ ኣብ ሰረሕተኛታታ ዝበጽሐ ጉድኣት ግና ከምዘየለ ዩ ትካል መጽናዕቲ ድሕነት መጓዓዝያ ባሕሪ ብሪጣንያ ጠቒሱ።

ሑቲ፣ ንካልእ መርከብውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዘካየደላ ይግለጽ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ፣ ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንደሓር፣ ሑቲ ነቲ ናይ እስራኤል ወትሃደራዊ ስርሒት ዘለዎ ተቓውሞ ብግብሪ ንምርኣይ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ ዝነበራ ብውሕዱ 80 መራኽብ ኣጥቂዑ።

ሰእሊ፦ ካብ ኣርካቭይስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0