ጂቡቲ፡ ደሃይ ኣጥፊኡ፣ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝቐነየ ፕረዚደንት፣ ኣብ ናይ ውልቁ መገሻ ምንባሩ ተሓቢሩ

RADIO ERENA – Monday, 30 September 2024

ደሃይ ብምጥፍኡ፣ ብጹኑዕ ሓሚሙ ክኸውን ይኽእልዩ እናተባህለ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብሰንበት 29 መስከረም፣ ካብ መገሻ ከምዝተመልሰ ተሓቢሩ።

እቲ ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት፣ ኣብ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ይኹን ኣብ ካልእ ጉዳያት፣ ካብ ህዝቢ ብምኽዋሉ፣ ብጽኑዕ ሓሚሙ፣ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ከምዘሎዩ ክውረየሉ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ናይ ውልቁ መገሻ ከምዝነበረን ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰን ቤ ጽሕፈቱ ብስእሊ ብምስናይ ኣቕሪቡ።

ኩሉቲ ብዛዕባቲ ፕረዚደንት ዝተወርየ ሓሶትዩ ዝበለ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር፣ ኤልያስ ሙሳ ድዋለ ብወገኑ፣ ናይ ብርኪ ቃንዛ እንተዘይኮይኑ፣ ካልእ ናይ ጥዕና ጸገም ከምዘይብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኤክስ ለጢፉ።

ሚኒስተር ድዋለ ብተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ገለ፣ ከም ኩልና ሰብ ስለዝኾነ ክሓምም ይኽእልዩ፣ ግና እቲ ክውረ ዝቐነየ፣ ሕማቕ ናይ ዝምነዩ ሰባትን ጸላእትንክብል ነቒፉ።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ናይ ውልቁ መገሻ ከምዝቐነየ እኳ ቤት ጽሕፈቱ እንተጠቕሰ፣ ዝርዝር ኣየቕረበን።

ስድራቤት ፕረዚደንት ገለ፣ ኣብ ፓሪስን ካልእ ከተማታትን ፈረንሳ፣ ብዙሓት ህንጻታት ከምዝውንኑዩ ዝግለጽ።

ካብ 1999 ኣትሒዙ፣ መንበር ካብ ኣኩኡ ዝተረከበ ፕረዚደንት ገለ፣ ን25 ዓመታት ንጂቡቲ እኳ እንመርሓ፣ ከም መብዛሕትኦም መለኽቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ስልጣን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ናይ ምስግጋረ መደብ ከምዘይብሉዩ ዝንቀፍ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0