ኢትዮጵያ፣ ነዳዲ ብወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንምእታው ትውጥን

RADIO ERENA – Thursday, 26 September 2024

ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ናይ ርእስ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ብጂቡቲ ዝኣቱ ዘሎ ብዝሒ ነዳዲ እኹል ከምዘይኮነ ን ዘ ሪፖርተርዝሓበረ ዳይረክተር በዓል ስልጣን ነዳዲን ጸዓትን ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ለሜሳ ቱሉ፣ ተወሳኺ ብወደብ በርበራ ንምእታው ውሳኔ መንግስቲ ይጽበዩ ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዳዲ ናይ ምግዛእ ጸገም ከምዘይብሉ ዩ ጠቒሱ። እንተኾነ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ፣ ሆራይዘን ዝተባህለ መኸዘኒ ነዳዲ፣ ካብ ዝስራሕ 18 ዓመታት ኣሕሊፉ ክነሱ፣ ተጸጊኑውን ስለዘይፈልጥ፣ ዝህቦ ኣገልግሎታት ከምዝቐነሰዩ ኣመልኪቱ።

ብሰንኩ ድማ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ኢትዮጵያ ዋሕዲ ኣኸቲሉ ምህላዉ እቲ ዳይረክተር ኣገንዚቡ።

ነዚ ዋሕዲ ንምፍኳስ፣ ብወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ነዳዲ ንምእታዊ ውሳኔ መንግስቲ ይጽበዩ ምህላዎም ድማ ኣስሚርሉ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ርእሲቲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ንወደብ በርበራ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ውን ንቀረብ ነዳዲ ክትግልገለሉ እንተወሲና፣ ምስ መንግስቲ ሶማል ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ክብእስ ምዃኑ ዮም ተንተንቲ ዘጠንቅቑ።

ንኢትዮጵያ ልዕሊ 90% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት እትህባ ጂቡቲ ብወገና፣ ኢትዮጵያ ናብ ወደብ በርበራ እንተኣሻርያ፣ ኣብ ቁጠባኣ ጸቕጢ ክፈጥር ስለዝኽእል፣ ብእወታ ከምዘይትቕበሎ እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0