ሱዳን፣ ብዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሕማም ኮሌራ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 430 በጺሑ

RADIO ERENA – Thursday, 26 September 2024

ኣብ ሱዳን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብሰንኪ ሕማም ኮሌራ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 430 ከምዝብጽሐ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስትሪ፣ ብ25 መስከረም፣ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ልዕሊ 14 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተለኽፉ ጠቒሱ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዝወረደ ሓያል ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቕልዕ፣ ንምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ከምዘጋደዶ ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዋስን ከባቢታት ዞባ ከሰላ፣ ሕማም ኮሌራ ገኒኑ ከምዘሎ ክጥቀስ ቀንዩዩ።

ኣብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ትካላት ጥዕና ከቢድ ዕንወት ስለዝወረደን፣ ከም ኮሌራ ዝኣመለሰ ተላባዒ ሕማማት ኣብ ምግታእን፣ ኣብ ክንክን ነፍሰጾር ኣዴታትን ዕሽለታን ከቢድ ሃጓፍ ተፈጢሩ ከምዘሎ ሓካይም ብዘይ ዶብ የመልክት።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፣ ካብ 25 መስከረም ኣትሒዙ፣ ኣብ ከባቢታት ካርቱም ጽዑቕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ተገሊጹ።

እቲ ብደብዳብ ነፈርቲን ከቢድ ብረትን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ፣ ነቲ ብፈጣን ሓይልታት ተታሒዙ ዝጸንሐ ከባቢታት ካርቱም ንምምላስ ዝዓለመ ምዃኑዩ ተሓቢሩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0