ቱርኪ፣ 3 ሽሕ ቶን ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ሱዳን ልኢኻ

RADIO ERENA – Thursday, 26 September 2024

መንግስቲ ቱርኪ፣ 3 ሽሕ ቶን ህጹጽ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ሱዳን ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።

መሰረታዊ መግብታትን፣ ከም ቴንዳን ኮቦርታን ዝኣመሰለ ንግዝያዊ መጽለሊታት ዝሕግዝ ናውትን ዘጠቓለለ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ፣ ብ23 መስከረም ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝኣተወትሉ፣ ኣመሓደርቲ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን፣ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣባታ ሃገርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ጌሮሙላ።

ቱርኪ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለውን ተመሳሳሊ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ሱዳን ልኢኻያ።፣ ብዘይካቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ኣብዚ ክራማት ዝወረደ ሓያል ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቅልቓትውን ንብዝሁሓት ካብ ቤት ንብረቶም ኣፈናቒሉን ተጸበይቲ ረዴት ከምዝኾኑን ጌሩንዩ።

ኣብ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ተጸበይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዎም ዩ ዝግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0