ኤርትራ፡ ሶማልን ግብጽን ጽኑዕ ምሕዝነት ኣለና ይብላ

RADIO ERENA – Tuesday, 24 Tuesday, 2024

  • ግብጺ፣ ተወሳኺ ኣጽዋር ናብ ሶማል ኣእትያ

  • ግብጺ፡ ተወሳኺ ኣጽዋር ናብ ሶማል ኣእትያ

ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ሶማል ዝጀመረቶ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ተወሳኺ ኣጽዋር ከምዘእተወት ተሓቢሩ።

እቲ ጸረነፈርቲ፣ ድሩዓት መካይንን ከበድቲ ብረታትን ዘጠቓለለ ኣጽዋር ብዝሑ እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ካብቲ ዝሓለፈ ቅነ ናብ ሶማል ዝኣተወ ዝዛያደ ምዃኑ ዩ ተጠቒሱ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኣጽዋር ጽዒና ዝመጸት መርከብ ክሳብ እትራገፍ፣ ብሰንበት 22 መስከረም፣ ንወደብ ሞቛድሹ ዓጽዎ ከምዝወዓለ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ግብጺ፣ ብሕጂውን ተወሳኺ ኣጽዋርን ሰራዊትን ናብ ሶማል ከተዋፍር ምዃናዩ ዝግልጽ ዘሎ።

ዕላማ እቲ ግብጺ ንሶማል እተዋፍሮ ዘላ ብዝሒ ኣጽዋራትን ሰራዊትን እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ንኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢሩላ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ታየ ዓጽቐስላሴ ብዛዕባዚ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ናብ ሶማል ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋር ናብ ኢድ ሽበራውያን ጉጅለታት ከይወድቕ ዘስግእ ምዃኑ ጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንምስፋት ኣብ ኒውዮርክ ዝርከቡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ሶማልን ግብጺን፣ ጎኒ ጎኑ፣ ኣብ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ርክብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምትኳር ብምምይያጥ፣ ኣብ መንጎ ሰለስተ ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ወትሃደራውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ብዝምልከት ዘትዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0