ሑቲ፣ ሕነ ናይቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ክፈዲ’የ ይብል

RADIO ERENA – Monday, 23 September 2024

እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ ብዝሓየለ መልክዑ ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፣ ሑቲ ናይ የመን፣ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ሚኒስተሪ ምክልኻል ናይቲ ብሑቲ ዝምራሕ መንግስቲ የመን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ድሮ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ከምዝወንጨፉ ብምጥቃስ፣ ኣብ ዝቕጽል ግና ዝሓየለ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ምዃኖም ሓቢሩ።

እስራኤል፣ ዕጡቓት ሐዝቦላህ ንምህዳን ብዝብል፣ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዘካየደቶ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት 10ታት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተነጸረ ብዙሓት ድማ ቆሲሎምዮም።

እስራኤል፣ ንዕጡቓት ጉጅለ ሓማስ ንምድምሳስ ብቓዛ ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይልሕም ምስ ምህላዉ፣ ኣብቲ ዞባ ዝበኣሰ ግጭት ከይጎሃሃር ተሰጊኡ ኣሎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ግብጺ ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደት ብቀንዱ ኣብዚ ስግኣትቲ ዘተኮረ ንምምይያጥ ምዃኑዩ ተመልኪቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0