ኢጋድ፣ ንኢትዮጵያን ሶማልን ንምቅርራብ ተበግሶ ከምዝወሰደ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Thursday, 19 September 2024

ሓድሕድ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ወይ ኢጋድ፣ ንኢትዮጵያን ሶማልን ንምቅርራብ ተበግሶ ምውሳዱ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ፣ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ናይቲ ዞባዊ ውድብ፣ ናብ ሞቛድሾ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝርከቦም ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ድሕሪ ምዝርራቡዩ።

ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብዚ ሳልስቲዚ ኣብ ዘካይድዎ ርክብ፣ ብዛዕባ ጸጥታን ርግኣትን እቲ ዞባ ብምትኳር ከምዝተመያየጡ እኳ እንተረጋገጹ፣ ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ንምቕርራብ ዝተወስደ ተበግሶ ግና ኣይጠቕሱን።

እንተኾነ፣ ኣውራ ዕላማ ዑደት ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ናብ ሞቛድሾ፣ ነቲ እናገፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና መንግስትታት ኢትዮጵያን ሶማልን ንምቅርራቡ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

እዚ ናይ ኢጋድ ተበግሶ፣ ናይ ኣመሪካ፣ ኬንያን ጂቡቲን ደገፍ ከምዘለዎ ዩ ተመልኪቱ።

ፕረዚደንታት ኬንያን ጂቡቲን፣ ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ብኣካል ንርኻቦም በብወገኖም ዘካየድዎ ጻዕርታት ኣይተዓወተን።

ኢትዮዮጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ምስታ ሶማል ከም ሉኣላዊት ኣካል እትርእያ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነደ ከይሰረዘተ፣ ምስ ሃገር ዝኾነ ዓይነት ዘተ ከምዘየካይድዩ መንግስቲ ሶማል ዝገልጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0