ቱርኪ፣ ኣብ ገማግም ሶማል ሓይሊ ባሕሪ ከተዋፍር’ያ

RADIO ERENA – Wednesday, 18 September 2024

ቱርኪ፣ ኣብ ክሊ ማይ ሶማል፣ ዳህሳስ ነዳዲ ንዘካይዳ መራኽባ ዝሕሉ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ከተዋፍር ምዃና ተሓቢሩ።

ሚድል ኢስት ኣይ ንምንጭታታ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና፣ ቱርኪ ብውሕዱ ክልት ፍሪጌት ዝዓይነተን መራኽብ ኵናት ዝዓጠቐ ሓይሊ ባሕሪያ ናብ ሶማል ከተዋፍር።

ቱርኪ፣ ኣብ ክሊ ማይ ሶማል፣ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ዳህሳስ ነዳዲ ከተካይድ ምስ መንግስቲ ሶማል ውዕል ከምዘለዋ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሓበረ ሚኒስተር ጸዓት እታ ሃገር፣ ኣልፓርስራን ባይካራክታር፣ እቲ ስምምዕ ነቲ ዳህሳስ ዝካየደሉ ከባቢታት ናይ ሓለዋ ሓላፍነት ዝህብ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ገማግም ባሕራ ካብ ቀርሰንቲን ካልኦት ዕጡቓትን ምሉእ ብምሉእ ከተውሕስ ዘይክኣለት ሶማል፣ ኣብ ዳህሳስን ዕደናን ነዳዲ ንዝዋፈራ ኣህጉራውያን ኩባንያታት ሓለዋን ውሕስነት ጸጥታን ክትህብ ከምዘይትኽእል ይፍለጥ።

ቱርኪ፣ ብዘይካዚ ኣብ ሓለዋ ዳህሳስ ነዳዲ ዘተኮረ ምውፋር ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣብ ሶማል፣ ወትሃደራዊ ስልጠና ዝህብን ካልእ ስርሒታትን ንምክያድ ዝሕግን ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0