18 መስከረም፣ መበል 23 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ይዝከር

RADIO ERENA – Wednesday, 18 September 2024

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንኣዳለውተንን ጋዜጠኛታትን ከምኡ ድማ ጽገናዊ ለውጢ ንዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ነበርን ብኣልማማ ብምቕያድ፣ ሃለዋቶም ዘጥፍኣሉ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ መበል 23 ዓመቱ ይዝከር ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ቅድሚ 23 ዓመታት፣ ልክዕ ከምዛ ዕለት፣ ብመንገዲ ማዕከን ዜናኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ንግዚኡ ደው ከምዝበላ ብምሕባር፣ ንኣዳላውተንን ጋዜጠኛታትን ከካብ ዝነበርዎ እናሃደነ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ኣይርሳዕን።

ኣደለውቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን፣ ከምኡ ድማ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ነበርን ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝኣተወሉ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘይተኸተልን ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊዚ፣ እቲ መንግስቲ፣ ነዞም ዜጋታት፣ ስድራቤታቶም ኣብ ዘይበጽሕዎምን ደሃዮም ኣብ ዘይፍለጥን፣ ሃለዋቶም ከምዝጠፍእ ጌሩ ኣሎ።

ሓያሎ ካብዞም ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን፣ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ እቲ ስርዓት ህይወቶም ከምዝሓለፈዩ ዝግለጽ።

ነዞም ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን ን23 ዓመታት ደሃዮም ከምዝጠፍእ ዝገበረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፈጸሞን ገናውን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣረሜናዊ ተግባራት፣ ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ መግዛእቲ ስርዓታት ዘይፈጸምዎ ምዃኑ ዘተሓሳሰቡ ሓያሎ ኤርትራውያን፣ 18 መስከረም ዝኽሪ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ስርዓት ህግደፍ ኮይና ብወለዶታት ክትዝከር ለበዋታት የመሓላልፉ።

ድሕሪዚ ተስፋ ደሞክራሲ ዘጸልመተን፣ ምግሃስ መሰል ዜጋታት ዘግሃደን ናይ 18 መስከረም 2001፣ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ ቅድምዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፣ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግንውን እንተኾነ ተራእዩ ዘይፈልጥ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ ግኑን ተርእዮን ምስልን ኤርትራ ኮይኑ ዩ ቀጺሉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 23 ዓመታት ኣብ ኤርትራ፣ ብጉዳይ ሃይማኖት፣ ስግረ ዶብ፣ ፖለቲካን ካልእን ኣሽሓት ዜጋታት በብእዋኑ ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0