RADIO ERENA – Tuesday, 17 September 2024
ጂቡቲ፣ ንወደብ ታጁራ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምምሕዳሩ ደኣ‘ምበር፣ ጠቕሊላ ከምዘይትህባ ኣነጺራ።
ጂቡቲ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ብጉዳይ ‘ቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነደ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፣ ተኸሲቱ ንዘሎ ወጥሪ ከህድእ ይኽእል‘ዩ ካብ ዝበለቶ እማመ ሓደ፣ ኢትዮጵያ ንወደብ ታጁራ ከተመሓድሮ ክትፈቕደላ ዝብል ‘ዩ።
ብኣንጻሩ ግን፣ ጂቡቲ ንኢትዮጵያ ወደብ ክትህባ‘ያ ዝብል ወረ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ክጋዋሕ‘ዩ ቀንዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፣ ማሕመድ ዓሊ ዮሱፍ፣ ብዛዕባ‘ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ጂቡቲ ንወደ ታጁራ ንኢትዮጵያ ከምዘይትህብ ብምርግጋጽ፣ ብሓባር ንምምሕዳሩ ግና ክትዝቲ ከምእትኽእል ኣነጺሩ።
ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 90% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ኣብ ጂቡቲ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፣ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ደረቐ ነገራትን ኮንተትነራትን ድማ ብዝያዳ ኣብ ወደብ ታጁራ ዝተሓጽረ‘ዩ።
======================
COMMENTS