ኤስራኤል፣ ናብ ኵናት ቓዛ ንዝወፍሩ ሓተቲ ዑቕባ ኣምሳያኡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክትህቦም ከምእትኽእል ምምዳባ ተሓቢሩ

RADIO ERENA – Monday, 16 September 2024

ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፣ ናብ ኵናት ቓዛ ንዝወፍሩ ሓተቲ ዑቕባ፣ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ዘኽእል መደብ ሓንጺጹ ከምዘሎ ሃረጽ ዝተባህለት መርበብ ዜና ሓቢራ።

እታ ካብ እስራኤል እትዝርጋሕ መርበብ ዜና ብዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፣ ብዛዕባቲ ጉዳይ ምስ ክኢላታት ሕጊ ብምምይያጥ፣ ብዝተወደበን ብዝጸፈፈን መንገዲ ክትግበር ዝኽእል እንተደኣኮይኑ ከምዝመኸሩያ ጠቒሳ።

እቲ ብሃረጽ፣ ብሰንበት 15 መስከረም፣ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፣ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓረብ የጋውሐኦ እኳ እንተለዋ፣ ብወገን መንግስቲ እስራኤል ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ግን ዛጊት የለን።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ እስራኤል ንሒደት ኤርትራውያን እንተዘይኮይኑ፣ ናይቶም ዝበዝሑ፣ ዘቅረብዎ ሕቶ ዑቕባ ውዱእ መልሲ ከይሃበ፣ ኣብ ጠልጠል ሓዲግዎ ዝርከብ።

ካብዚ ሓሊፉውን እቲ መንግስቲ፣ ንኣሽሓት ኤርትራውያን በብእዋኑ ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ከምዘሰጋገሮም ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0