RADIO ERENA – Thursday, 12 September 2024
ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፣ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ወሲዳ ከይትኸውን፣ መርመራ ንምክያድ ካብ ዝተሰርዓላ ቆጸራታት ብተደጋጋሚ እዋን ብምብኳራ፣ ን20 ኣዋርሕ ኣብ ዝኾነ ዞባውን ኣህጉራውያን ውድድራት ከይትሳተፍ ከምዝተኣገደት ኣትለቲክስ ኢንተግሪቲ ዩኒቲ ኣፍሊጡ።
እታ ጓል 34 ዓመታት ኣትሌት፣ ካብ 9 ሕዳር 2023 ክሳብ 22 ግንቦት 2024 ኣብ ዝተሰርዓላ ሰለስተ ናይ መርመራ ቆጸራታት ክትርከብ ከምዘይክኣለት‘ዩ እቲ ትካል ጠቒሱ።
ናዝሬት፣ ካብቲ ኣትሌታት ክገብዎሮ ዝግደዱ ናይ መረምራ ቆጸራታት ዝበኾረትሉ ብቑዕ ምኽንያታት ከተቕርብ ንዝተዋህባ ዕድል‘ውን ክትጥቐመሉ ስለዘይክኣለት፣ ንዓመትን ሸሞንተ ኣዋርሕን ካብ ውድድራት ክትእለ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኣትለቲክስ ወሲኑ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለሰተ ዓመታት፣ ሓንቲ ካብተን 10 ብሉጻት ናይ ማራቶን ተቐዳደምቲ ዓለምና ዝኾነት ናዝሬት፣ ንሳ ወይ ወኪላ፣ መርመራ ክትገብረሉ ዘይክኣለት ይኹን፣ ብዛዕባ‘ቲ ኣብ ልዕሊኣ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ብዝምልከት ዛጊት ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ናዝሬት ብሰንኪ እዚ እገዳ‘ዚ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ 2024 ክትወዳደር ከምዘይክኣለት ይፍለጥ።
ክብሮም ወልደሚካኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣትሌት‘ውን፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ 2024 ንምውድዳር ዘብቕዖ ናይ ማራቶን ደረጃ እኳ እንተረኸበ፣ ብጉዳይ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ካብ ቅድድም ከምዝተገለፈ እቲ ትካል ምግላጹ ይዝከር።
ወዲ 37 ዓመት ክብሮም፣ ኣብ 10 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 እናተዳለወ እንከሎ‘ዩ ብጉዳይ ምጥሓስ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒቲ ተኸሲሱ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ።
ንሱ፣ ቅድሚ ምጅማር ኦሎምፒክ ኣብ ዝተገብረሉ መርመራ፣ ኣትሌታት ክወስዶም ዘይግባእ ክልተ ዓይነት ሓይሊ ዝህብ ባእታታት ኣብ ደሙን ከምዝተረኽበ ‘ዩ ተገሊጹ።
ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ብዛዕባ‘ዚ ንክልተ ኤርትራውያን ናይ ማራቶን ተቐዳደምቲ ዘጋጠሞም ክስተት ዛጊት መብርሂ ኣይሃበን።
===================
COMMENTS