ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ብኣካል ንምርኻቦም ዝተኻየደ ፈተነ ፈሺሉ

RADIO ERENA – Thursday, 12 September 2024

ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ብኣኣል ብምርኻብ፣ ኣብ ዘሰሓሕቦም ዘሎ ጉዳያት ንኽመያየጡ ዝተኻየደ ፈተነታት ከምዝፈሸለ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ሶማል ሓቢሮም።

ጎኒ ጎኒቲ ኣብ ቤዢንግ ዝተኻየደ ዋዕላ ቻይናን ኣፍሪቃን፣ ንፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድን ብኣካል ንምርኻቦም፣ ብፕረዚደንታት ጂቡቲ፣ ሞሪታንያን፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆን ዝተኻየደ ፈተነታት ከምዘይትዓተ ዮም እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ኣቐዲሙውን ብፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ ዝተኻየደ ፈተነ ምንባሩ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምዝነጸጎ ኣዘኻኺሮም።

ብመንጎኝነት ቱርኪ ዝተኻየደ ፈተነውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣይተዓወተን።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ከይሰረዘት፣ ምስታ ሃገር ዝካየድ ዘተ ከምዘይቅብል፣ ፕረዚደንት ሶማል ኣቐዲሙ ክገልጽ ጸኒሑዩ።

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0