ኣመሪካ፡ ኣብ የመን፡ ወደብ ሖደይዳ መጥቃዕቲ ኣካይዳ

RADIO ERENA – Wednesday, 11 September 2024

ብኣመሪካን ብሪጣንያን ዝቆመ ልፍንቲ ሓይልታት ባሕሪ፡ ኣብ የመን፡ ወደብ ሖደይዳ መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ ተገሊጹ።

እቲ ብ0809ን መስከረም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ንወትሃደራዊ ማእከላት ሑቲ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑዩ ተሓቢሩ።

መደበር ቴሌቪዥን ሑቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ወደብ ሖደይዳ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት እኳ እንተገለጸት፡ ብዛዕባ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ኣይጠቐሰትን።

እንተኾነ ክልተ ቆልዑ በቲ ደብዳብ ከምዝተቐትላ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ሰራዊት ኣመሪካ ብወገኑ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ስርዓተ ሚሳይላትን ሰለስተ ድሮናትን ከምዘዕነወ ገሊጹ።

ሑቲ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ መራኽብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት ብዝሰፍሐ መልክዑ ክቕጽሎ ምዃኑ ዩ ዘጠንቅቕ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ፡ ኣብ ልዕሊ 80 ናይ ንግዲ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ዝግለጽ ሑቲ፡ ንኣርባተ ካብኣተን ምሉእ ዕንወት፡ ንክልተ ድማ ክሳብ ምጥሓል ዝበጽሕ ጉድኣት ከብጽሓለን ክኢሉ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ21 ነሓሰ ብሑቲ ተሃሪማ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጸምበለል ትብል ዘላ ነዳዲ ተመላልስ መርከብ፡ ኣብ ውሽጣ ዝተወልዐ ሓዊ ክሳብ እዚ እዋንዚ ክጠፍእ ብዘይምኽኣሉ፡ ባረዕ ፈጢሩ ብከላ ከየሰዕብ ብዝቐልጠፈ ንምእላያ ሑቲ ምስ ዝርከቦም ኣካላት ዘተ ይካየድ ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0