ፈረንሳ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ህይወት ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ዘጥፈኣ ሓደጋ ባሕሪ ንዝተዋስኡ ደላሎን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ይሃድኑ

RADIO ERENA – Wednesday, 11 September 2024

10 ሜትሮ ዝቖመታ፡ ካብ ጎማ ዝተሰርሐት ጃልባ፡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 60 ሓተቲ ዑቕባ ጽዒናያ፤ ቡሎንኝ ሱር ሜር ካብ ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ካብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፡ ሰሉስ 03 መስከረም፡ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተ ናብ ብሪጣንያ ተበጊሳ።

እንተኾነ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ጉዕዞ፡ እታ ናይ ጎማ ጃልባ ስለዝነፈሰት ኣብ ደቓይቕ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢሙዋ።

ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑም ቆልዑ ዝርከብዎም 12 ሓተቲ ዑቕባ ብኡ ንብኡ ጥሒሎም ክሞቱ ንከለዉ፡ ወዲ 17 ዓመት ኤርትራዊ ኣንዋር መንሱርን ጓል 42 ዓመት ኤርትራዊት ኣምና ምስ ሰለስተ ደቃን ካብቶም ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ክድሕኑ ዝኸኣሉዮም።

ወዲ ከረን ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣንዋር፡ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ብባሕሪ ንምስጋር፡ ንደላልዮን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን፡ ኣስታት 1000 ኤውሮ ብዌስትረን ዩኒዮን ከምዝሓወለሎም ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ቅድሚ ናብ ፈረንሳ ምምጽኡ፡ ሱዳን ሊብያን ኢጣልያን ዝአመሰላ ሃገራት ብተመሳሳሊ መስርሕዩ ሓሊፉ።

ሰለስተ ደቃ ሒዛ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር በዚ ባሕሪ ዝተበገሰተ ኣምና ብወገና፡ ኣብ ሽወደን ዘቕረበቶ ሕቶ ዑቕባ ክልተ ግዜ ስለዝተነጽገ፡ ዝሓሸ ዕድል እንተረኸበት ብምባል፡ ነዚ ሓደገኛ ጐዕዞ ከምዝመረጸት ጠቒሳ።

ኣብ 2021 ካብ ኤርትራ ዝተሰደ፡ ወዲ 20 ዓመት ዓብዱልወሃብ ውን ኣብቲ ንሮይተርስ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሕልምታተይ ከግድህድ ክብልየ ናብዚ ባሕሪ ኣትየ፡ ሓምቢሰውን ኣይክልንየ፡ ከመይ ኢለ ከምዝደሓንኩ ግና ፈጣሪ ጥራይዩ ዝፈልጥክብል ነቲ ዘሰምብድ ሓደጋ ገሊጽዎ።

ፖሊስ ፈረንሳን ብሪጣንያን፡ ኣብዚ ህይወት ሓያሎ ኤርትራውያን ዘጥፈአ ሓደጋ ባሕሪ ንዝተዋስኡ ደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ዝርከብዎም ጥርጡራት ኣብ ምህዳን ዮም ዝርከቡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0