ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ርክባት ከካይድ ምጽንሑ ኣቦ መንበር ህወሓት ኣረጋጊጹ

RADIO ERENA – Wednesday, 11 September 2024

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ርክባተ ከካያድ ምጽንሑ፣ ኣቦ መንበር ህወሓት፣ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣረጋጊጹ።

ንሱ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ብምትኳር፣ ብሰሉስ 10 መስከረም፣ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መግለጺ፣ እቲ ርክብ ብወገን ትግራይ፣ ፕረዚደንት ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ የካይዶ ምንባሩ ጠቒሱ።

/ር ደብረጽዮን፣ ኣብቲ ርክብ ዝተረዘበሎም ዛዕባታት ይኹን ንኤርትራ ብምውካል ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተራኸቡ ሰብ ሰበ ስልጣንን ዝተራኸብሉ ቦታን ዕለትን ብዝርዝር ኣይሓበረን።

ርክባት ኤርትራን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ብኣፍልጦ ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያንዩ ተኻይዱ ዝበለ ዶ/ር ደብረጽዮን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ውን ሻዕብያ ምሳኹም ቅርሕንቲ ስለዘለዎ ባዕልኩም ተረዳድኡከምዝበሎም ኣነጺሩ።

ርክብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዝነበረ ጸጥታዊ ኩነታት ከፋኵስ እኳ እንተሓገዘ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ዘይተፈትሑ ጉዳያት ከምዘለዉዩ ኣቦ መንበር ህወሓት ገሊጹ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ፋኖ ውን ርክባት የካይድ ከምዘሎን እቲ ምስ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐት ዝርባት ድማ ክቕጽል ምዃኑን ድማ ኣብ መወዳእታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ትግራይ፣ ኣብ መንጎ ቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ህወሓትን ጌታቸው ረዳ ዚ ፕረዚደንቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ወጥሪ ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ወገን፣ ንናይ ግዳም ሓይልታት ተኣማሚኑ ነቲ ምውጣጥ ከምዝፈጠረዩ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብዚ ናይ ሰሉስ መግለጺኡ ወቒሱ።

እንተኾነ ዶ/ር ደብረጽዮን፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጸግዒ ክኾኑኒዮም ኢሉ ዝተኣማመነሎም ዘሎ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣይጠቐሰን።

ስእሊ፣ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0