ኤርትራ፣ ቀይዳቶም ዝጸንሐት 16 የመናውያን ናብ ዓዶም ኣፋንያ

RADIO ERENA – Monday, 09 September 2024

ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 16 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብቀዳም 07 መስከረም ናብ ዓዶም ከምዝተፋነው መርበባት ዜና የመን ሓቢረን።

እቶም ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምፍናዎም ብወደብ ሖደይዳ ኣል ኺባ ብዝተባህለ ገማግም ባሕሪ ናብ ዓዶም ዝተመልሱ የመናውያን፣ ከም ምሩዃት ኵናት ተታሖዝም ምንባሮም፣ ኣብ ምቕባሎም ዝተረኽበ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሖደይዳ፣ ዓማር ኣል ኩሚ ወቒሱ።

እቶም የመናውያን ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ኣብ ዝጸንሕለን ሓያሎ መዓልታት፣ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕን ካልእን ተዋፍሮም ምንባሮም ጠቒሶም።

ናውቲ መግፈፊ ዓሳን ጀላብኦምን ተሃጊሩ፣ ብሓንቲ ጃልባ ናብ ዓድመ ከምዝተመልሱ ውን ኣመልኪቶም።

ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓንሽን ክሊ ማይን ብዝምልከት፣ ኣብ 1998 ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዳንነት ንዝተዋህበ ብይን ትጥሕስ ኣላ ክብል፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሑቲ ናይ የመን ወቒሱ።

እቲ ሚኒስትሪ ናይቲ ወደብ ሖደይዳ ዝርከቦ ኣብ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎ ገማግም ባሕሪ የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ብ23 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኤርትራ ነቲ ብይን ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዘይሕጋዊ ምእሳርን ምህጋር ንብረቶም ትፍጽም ኣላ ክብል ጠቒሱ።

ሑቲ ነዚ ወቐሳ ዘውጽእ ዘሎ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ብኤርትራ ዝተታሕዙ 31 የመናውያን፣ ድሕሪ ናይ ሳልስቲ ማእሰርቲ፣ ብ23 ነሓሰ፣ ተፋንዮም ብመንገዲ ወደብ ሖዴዳ ናብ ዓዶም ኣብ ዝኣተውሉ ኣጋጣሚ‘ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ምትሓዝ ኮነ ምፍታሕ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ይኹን ብወገን የመን ንዝቐርብ ወቐሳታት ኣመልኪቱ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይህብን‘ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0