ኤርትራ፣ ተቐይዶም ዝጸንሑ 55 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም

RADIO ERENA – Thursday, 08 August 2024

ኣብ ኤርትራ፣ ተቐይዶም ዝጸንሑ 55 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ኣገልግሎት ዜና የመን (ሳባ) ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ዝሓለፍ ክልተ ቅነ፣ ብወደብ ሖደይዳ ናብ ዓዶም ዝተፋነዉ የመናውያን፣ ኣብ ሓሙሽተ ጀላቡ ተጻዒኖም፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም ከምዝተወስዱ መንግስቲ የመን ወቒሱ።

ንሳቶም ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም፣ ተቐይዶም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ጀላብኦምን ካልእ መግፈፊ ዓሳ ናውቶምን ተሃጊሩ፣ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተጻዒኖም ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ጠቒሶም።

‘ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ገበናት ትፍጽም ኣላ’ ክብል፣ በዓል መዚ ሃብታ ዓሳ የመን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኮኒኑ።

እቲ ብ25 ሓምለ ዝወጸ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ ነዚ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ትፍጽሞ ኣላ ዝበሎ ገበናት ክኹንን ጸዊዑ።

ኤርትራ፣ ዓሳ ንምግፋፍ ናብ ክሊ ማያ ንዝኣተዉ የመናውያን በብእዋኑ ከምእትቕይድ ዝጥቀስ እኳ እንተኾነ፣ እቶም የመናውያን ብወገኖም፣ ኣብ ክሊ ማይ ሃገሮም እንከለዉ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝጭወዩ ዮም ዘመልክቱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ምትሓዝ ኮነ ምፍናው የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይህብንዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0