መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ንመንገዲ ኣየር ናይጀርያ ንምዕዳግ ዝነበሮ መደብ ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ

RADIO ERENA – Wednesday, 07 August 2024

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንመንገዲ ኣየር ናይጀርያ ንምዕዳግ ንዝነበሮ ናይ ወፍሪ መደብ፣ ብፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ናይጀርያ ከምዝተነጽገ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ነቲ መደብ ዝነጸገሉ ምኽንያት፣ መሻርኽቲን ወነንቲ ብርኪን መንገዲ ኣየር ናይጀርያ ዝኾና ሓሙሽተ ትካላት፣ ንመሸጣ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ኢትዮጵያ ብምቛም ድሕሪ ዘቕረብኦ ክሲዩ።

እቲ ክሲ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ፣ ንኣዋርሕ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ናይጀርያ፣ 06 ሓምለ፣ ኣብ ከተማ ሌጎስ፣ ኣብ ዝተጋባኣሉ፣ ንመሸጣ መንገዲ ኣየር ናይጀርያ ናብ ኢትዮጵያ ነጺግዎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ናይጀርያ ካብ መሸጣ ትኬታትን ካልእን ዝተኣከበ ኣስታት 85 ሚልዮን ዶላር ናብ ካዝንኡ ከሰጋግሮ ከምዘይክኣለ ይገልጽ ምንባሩ ይፍለጥ።

ክልቲኤን ሃገራት ብዝገበርኦ ስምምዕ መሰረት ግን፣ እቲ ጉዳይ ይፍታሕ ከምዘሎ እኳ እንተተጠቕሰ፣ ሓደ ካብቲ ስምምዕ፣ መንገዲ ኣየር ናይጀርያ ኣብ ትሕቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክውነን ዝብል ምንባሩዩ ተገሊጹ።

ኣብ ኤርትራውን ብተመሳሳሊ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዶላር ዝተዋሃለለ ገንዘብ ከምዝለዎ ዝጠቕስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ገዚፍ ብርኪ ንምውናን ናይ ወፍሪ መደብ ኔርዎዩ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ኢርትራን ኢትዮጵያን ዛሕቲሉ ብዘሎ ርክባት፣ እቲ መደብ ከምዝተሰረዘን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ካብ 30 መስከረም ኣትሒዙ ደው ከብል ብወገን ኤርትራ ከምዝተነግሮን ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0