መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ካብን ናብን ኣብ ዝካይድ ኣህጉራዊ ጉዕዞ፣ መሸጣ ትኬት ብዶላር ጥራይ ክኸውን ወሲኑ

RADIO ERENA – Thursday, 01 August 2024

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ካብን ናብን ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ መገሻታት፣ መሸጣ ትኬት ብዶላር ጥራይ ክኸውን ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ውሳኔ’ዚ ወላ’ውን ነቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝብገሱ ወጻእተኛታት ዘጠቓለለ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲሙ፣ ገያሾ፣ ብባጤራ ናይተን ዝብገሱለን ሃገራት ክገዝኡ ይፈቅድ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ካብ 8 ሓምለ ኣትሒዙ፣ ነቲ መስርሕ ኣብ ምትግባር ከምዘሎ’ዩ ተመልኪቱ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብባጤራ ናይተን ሃገራት ንዝተሸጠ ትኬት፣ ናብ ካዝንኡ ከትእትዎ ዝግብኦ 115 ሚልዮን ዶላር፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝሕብር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም ደው ከብል ዘቕረበቶ ምኽንያታት፣ ‘ጸለመ’ዩ’ ክብል ምላሽ ከምዝሃበሉ ንኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣቶ መስፍን ጣሰው ብምጥቃስ ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ኣብ ኤርትራ ዘይተኸፍለ ናይ ዶላርን ናቕፋን ገንዘብ ከምዘለዎ ዝሓበረ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፣ ‘እቲ ናይ ዶላር ነምጽኦ ኣለና፣ እቲ ብናቕፋ ዘሎ ግና ንዓመታት ዝጸንሕን ብቐሊሉ ዘይመጽእን ስለዝኾነ፣ ብመሰረት ስምምዕ ክልቴን ሃገራት ጥራይ ‘ዩ ክፍጸም ዝኽእል ምባሉ’ እታ ራድዮ ኣገንዚባ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0