ኢትዮጵያ፣ ብርክት ዝበላ ወትሃደራውያን መካይን ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣእትያ

RADIO ERENA – Monday, 29 July 2024

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ 10ታት ድሩዓት ወትሃደራውያን መካይን ካብ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ከምዘእተወ መርበብ ዜና ሚሊታሪ ኣፍሪካ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ወትሃደራዊ ንጥፈታት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምትኳር ሓበሬታ ዝዝዝርግሕ ሚሊታሪ ኣፍሪካ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እተን Calidus MCAV-20 ዝዓይነተን ድሩዓት፣ ብ20 ሓምለየን፣ ካብ ጂቡቲ ብባቡር ተጻዒነን ናብ ኢትዮጵያ ኣትየን።

ብዝሐን እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ኣስታት 100 ከምዝበጽሓየን እቲ መርበብ ዜና ጠቒሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ነተን ወትሃደራውያን መካይን ብሓገዝ ድያ ንኢትዮጵያ ሂባታ ወይስ ሸይጣትላ ዝተገልጸ ነገር የለን።

እታ ሃገር፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትውን SH-15 (PCL-181) ዝዓይነትነ መዳፍዓት ዝጸዓና ብርክት ዝበላ ወትሃድራውያን መካይን ካብ ቻይና ብልቓሕ ከምዝገዝኣት ተገሊጹዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኦሮሞያን ኣምሓራን ኵናት ከምዝተኻየደን ይካየድ ከምዘሎን ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0