ሑቲ፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ክልተ መራኽብ ኣጥቂዑ

RADIO ERENA – Thursday, 18 July 2024

ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነዳዲ ዘመላልሳ ክልተ መራኽብ ከምዘጥቕዐ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሑቲ፣ ያሕያ ሳሪዕ፣ ብ15 ሓምለ፣ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እተን ቤንትለይን ቺዮስ ላዮንን ዝተባህለ መራኽብ፣ ምስ እስራኤል ርክብ ኣለውን ብዝብል ከምዘጥቕዐንዩ ገሊጹ።

ነታ ሓንቲ ብድሮን ነታ ሓንቲ ድማ ብጃልባ ብዝመጹ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉለንዩ ተሓቢሩ።

ካልእ ሳልሰይቲ መርከብውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወላ፣ ትካል መጽናዕቲ ድሕነት ባሕሪ ብሪጣንያ ኣመልኪቱ።

ኣብ ሓንቲ ካብተን መራኽብ ባርዕን ትኪን ተራእዩ እኳ እንተነበረ፣ ብዝተገብረላ ህጹጽ ረዲኤት ጉዕዝኣ ክትቕጽል ከምዝኸኣለትዩ ተጠቒሱ።

ኣብ ሰራሕተኛታት እተን መራኽብ ዝወረደ ጉድኣት የለን።

ንስትራቴጂያዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ካብ ሕዳር 2023 ኣትሒዙ፣ ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ምትእስሳር ኣለወን ንዝበለን 166 መራኽብ ዒላማ ከምዝገበረ ዩ ዝሕብር።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0