ሑቲ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ 166 መራኽብ ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጹ

RADIO ERENA – Friday, 12 July 2024

ሑቲ ናይ የመን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ምትእስሳር ኣለወን ዝበለን 166 መራኽብ ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጹ።

መራሒ ሑቲ ዓብዱልማሊክ ኣልሑቲ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ውን 10 መጥቃዕታት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምዘካየዱ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ “ኣብ ጋዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ስርሒታት ሑቲ ብዘይ ምቁራጽ ክቕጽል’ዩ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ዓብዱልማሊክ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ምትእስሳር ዘለወን መራኽብ ምንቅስቓሳተን ከምዝነከየ ክገልጽ እንከሎ ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ መራኽብ ግን ምስቅስቓሳተን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ደው ከምዝበለ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ብሑቲ ዝተዋህበ መብርሂ ብወገን ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ ይኹን እስራኤል ዝኾነ ርእይቶ ኣይተዋህበን።

ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ዘሎ ሑቲ፣ መጥቃዕቲ ካብ ዘካየደለን መራኽብ፣ ምሉእ ብምሉእ ዝጠሓላ ክልተ በጺሐን ኣለዋ።

ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ነቲ ንመራኽብ ንግዲ ዓለም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ሑቲ፣ መጥቃዕታቱ ንምግታእ ዘካየድኦ ወትሃደራዊ ወፍርታት፣ ከምዘይተዓወተ‘ዩ ዝትንተ።

ሑቲ፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት ደው ከብል እንተኾይኑ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ወፍሪ ደው ከተብል‘ዩ ዝጽውዕ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0