ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ኤርትራ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድማ ናብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዶም

RADIO ERENA – Wednesday, 10 July 2024

ብጉዳይ እቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተሞ፣ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ናይ መረዳድኢ ሰነድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከብ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘሎ ወትሃደራዊ፣ ጸጥታዊን ዲፕሎማስያውን ምሕዝነት ብዝልዓለ ዝቕጽለሉ ተኽእሎታት ብዝምልጀት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተመያየጡ መርበባት ዜና ሶማል ሓቢረን።

ጎኒ ጎኒቲ ቲ ዘካየዶ ርክባት ድማ ኣብ ኤርትራ ንዝስልጥኑ ዘለዉ ወትሃደራውት ሶማል በጺሑ።

ብመንገዲ ቱርኪ ምስ ሶማል ናይ ሽምግልና መስርሕ ክካየድ ዝደፍኣሉ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፣ ምስቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ንምምይያጥ ናብታ ሃገር ዑደት ኣካይዱ።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን፣ ብዘይካቲ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ዘተኮረ፣ እታ ብኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት እትሕመስ ዘላ ሃገር፣ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ እትምለሰሉ ተኽእሎታት ብዝምልከት፣ ካብ ምዕራባውያን ንዝቐረበ እማመ ንምብጻሕ ምዃኑ ይትንተን።

ኣቐዲሙውን ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ሱዳን ብምብጻሕ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ተራኺቡ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ተመያይጡዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0