RADIO ERENA – Monday, 08 July 2024
ኤርትራ ኣብ‘ቲ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ውድድር ጸወታታት ኦሎምፒክስ፡ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ብስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር መረድኢታት ኣረጋጊጹ።
እቶም ብቑዕ መምዘኒ ግዜ (minima) ኣማሊኦም ወይ ከኣ ኣብ መሳልል ደረጃ ኣትሌታት ዓለም ዝሓሸ ደረጃ ሒዞም፡ ናብ‘ዚ ዓቢ ስፖርታዊ ውራይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣትሌታት 3 ደቂኣንስትዮን 7 ደቂተባዕትዮን ኮይኖም፡ ኣስማቶምን ዝቐዳደሙሉ መጠን ርሕቐት ወይ ከኣ ዓውዲ ጉያን ከም‘ዚ ዝስዕብ እዩ፦
ኦሎምፒካውያን ራሄል ዳንኤል ኣብ 10 ሽሕ ሜትር፡ ናዝሬት ወልዱን ዶልሺ ተስፋይን ኣብ ማራቶን፡ ኦሎምፒካዊ ኣሮን ክፍለን ዳዊት ሰዓረን ኣብ 5 ሽሕ ሜትር፡ ሃብቶም ሳሙኤል ኣብ 5 ሽሕ ከምኡ‘ውን 10 ሽሕ ሜትር፡ መርሃዊ መብራህቱ ኣብ 10 ሽሕ ሜትር።
ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ዓንቀጽ 2.4 ሕጋጋት ጸረ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ጥሒሳ ብዝብል ክሲ ጉዳያ ክሳብ ዝምርመር ንግዚኡ ተቐጺዓ ብምህላዋ፡ ተሳትፎኣ ኣጠራጣሪ እዩ።
ኣብ ርእሲ‘ዞም ኣቐዲሞም ስሞም ዝተጠቕሱ ኣትሌታት፡ ካልኦት 14 ኤርትራውያን‘ውን፡ ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂተባዕትዮ ዘሳትፎም “minima” ዝረኸቡ ክኾኑ ከለዉ፡ ሓንቲ ሃገር እንተበዝሑ3 ኣትሌታት ጥራይ ከተሰልፍ ስለ ዝፍቐዳ ግን፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ካብ‘ዞም 14 ኣትሌታት 3 ንምሕራይ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ካልእ መምዘኒታት እንተዘይኣተኣታትዩ፡ እቶም ብዘመዝገብዎ ዝበለጸ ግዜ፡ ክስለፉ ዝግብኦም 3 ቀዳሞት ኣትሌታት፡ ዑቕባይ ጸጋይ፡ ኦሎምፒካውያን ዑቕበ ክብሮምን ጎይትኦም ክፍለን እዮም።
ካብ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም UCI ዝተረኸበ ሓበሬታታት ከም ዘነጽሮ፡ ኤርትራ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ቅድድም ብሽክለታ‘ውን፡ ኣብ ቅድድም ክሮኖ ሜትር ብሓደ፡ ኣብ ውድድር ጽርግያ ድማ፡ ብኻልእ ሓደ፡ ብሓፈሻ ብክልተ ተቐዳደምቲ ክትወዳደር እያ።
ቦኽሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ዙር ፈረንሳ ቢንያም ግርማይ ኣብ ውድድር ጽርግያ፡ ኦሎምፒካዊ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ድማ፡ ኣብ ቅድድም ክሮኖሜትር ክስለፉ ትጽቢት ይግበር።
ካብ`ዚ ብተወሳኺ ኤርትራ፡ ኣብ ቅድድም ነጻ ምሕምባስ 50 ሜትር፡ ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ ብክርስቲና ሪች፡ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ድማ ብኣሮን ገብረ ክትውከል እያ።
ብድምር ድማ 14 ስፖርተኛታት ንኤርትራ ብምውካል ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ክሳተፉ ‘ዮም።
===================
COMMENTS