ሱዳን፣ ህዝባ ብዓለም ደረጃ ኣብ ዝኸፍአ ጥሜትን ምምዝባልን ይርከብ

RADIO ERENA – Friday, 05 July 2024

ንዓሰርተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ግጭት ሱዳን እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ቅልውላው ጥምየትን ምዝንባልን ኣጋጢምዋ ከም ዘሎ ዳይረክተር ኮሚቴ ምድሓን ህይወት ኢቲዛዝ ዩሲፍ ገሊጻ።

ንሳ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ፈጣን ሓይልታትን ካብ ዝካየድ ውግእ ዝሃድሙ ሰባት ክሃድሙሉ ዝኽእሉ ውሑሳት ቦታታት እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢራ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰሙናት ጥራይ ልዕሊ 55 ሽሕ ሰባት ካብ ዞባ ስንጃ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን ከም ዝሃደሙ ይግመት።

ብድምር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣብ መላእ ሃገር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምርዳእ ናይ ልዕሊ 2.7 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድሊ ‘ዩ ዘመልክት።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ካብቲ ኣስታት 50 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን፣ እቲ ፍርቂ ተጸባይ ህጹጽ ረዲኤት ‘ዩ።

ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲን ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታትን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ዛጊት 7.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ኣመዛቢሉ ኣሎ።

1.6 ሚልዮን ካብዚኣቶም፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃደሙ ኮይኖም መብዛሕቶም፣ ኣብ ቻድን ግብጽን ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ይርከቡ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0