ጂቡቲ፣ ኣብ ሶማሊላንድ ግጭት ንምስዋር ትሰርሕ ኣላ ንዝብል ወቐሳ ነጺጋቶ

RADIO ERENA – Thursday, 04 July 2024

ጂቡቲ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ግጭት ንምውስዋር ትሰርሕ ኣላ ንዝብል ወቐሳ ፕረዚደንት ሙሴ ቢሒ ዓብዲ ነጺጋቶ።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዝተሰሓሓተዩ ዝበለ ሚኒስተር ፋይናንስ ጂቡቲ፣ ኤልያስ ሙሳ ድዋለ፣ ሃገሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ማእከል ስሕበት ናይ ሰላምን ምርግጋን ኮይና ክትቕጽል ከምእትደሊ ብማሕበራዊ ሜድያ ኤክስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

ጂቡቲ፣ መልህቅ ሰላም ናይቲ ብግጭት ዝሕመስ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃና ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፣ ሰበ ስልጣን ሶማሊላንድ ካብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ንምህዳም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ከይኣትዉን ከም ኣጀንዳ ከይሕዝዎን ኣጠንቂቑ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብዛዕባ ዋንነት ኣፍደጋ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ንጂቡቲ ከምዘይሐጎሳ ክጥቐስ ጸኒሑ።

ጂቡቲ፣ ልዕሊ 90% ናይ ወደብ ኣገልግሎታ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ምስ ምዃኑ፣ ኢትዮጵያ ካልእ ዝሓሸ ናይ ወደብ ኣምራጺ እንተረኺቡ፣ ንቁጠባ ጂቡቲ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ይትንተን።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0