ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኡጋንዳ ንሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ዝምልከት ዘሕለፈቶ ሕጊ፣ ክትስርዞ ጸቕጢ ክግበረላ ይጽውዑ

Radio Erena: Friday 28 June 2024

ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኡጋንዳ ንሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ዝምልከት ዘሕለፈቶ ሕጊ፣ ክትስርዞ ጸቕጢ ክግበረላ ብተደጋጋሚ ይጽውዑ።

እቶም 21 ኣባላት ኮንግረስ እቲ ብኡጋንዳ ዝጸደቐ ሕጊ ገበን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም።

እቶም ኣባላት ኮንግረስ፣ ኡጋንዳ ቅልጡፍ ውሳኔ እንተዘይወሲዳ ኣመሪካ ነታ ሃገር ክትገብሮ ዝጸንሐት ሓገዛት ደው ከተብሎ ጸዊዖም።

ኣሜሪካ ንኡጋንዳ ንወተሃደራዊ ደገፍን ኣብ ጽላት ጥዕናን ዝውዕል ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ትህብ።

ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓደ ዓይነት ጾታ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም መጻምድቲ ዝወጸ ሕጊ ብምሉኡ ምፍራስ ብምንጻግ ክልተ ክፍልታትን ክልተ ንኡሳን ዓንቀጻትን ጥራይ ብምስራዝ ዝተረፈ ሕጊ ቅዋማዊ ምዃኑ ኣዊጁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፣ ልዕሊ 200 ገጻት ዝሓዘ ጽሑፋዊ ውሳነ፡ ብምክትል ላዕለዋይ ዳኛ ሪቻርድ ቡተራ ዝምራሕ ሓሙሽተ ዳያኑ ዝሓዘ ኮሚቴ፡ እቲ ሕጊ “ብዘይካ ብኣርባዕተ መዳያት ምስ ቅዋም ኡጋንዳ ዝሰማማዕ’ዩ” ክብሉ ኣዊጆም።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ሓደ ዓይነት ጾታ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም መጻምድቲ፣ ናይ ሕልፈት ማእሰርትን ሞትን ዝርከቦ መቕጻዕታት ድሕሪ ምውሳና፣ ኣመሪካ፣ ትሕቱ ኣታዊ ንዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነ ንግዲ ከካይዳ ካብ ዝፈቅድ ውዕል ኣገዋ ሰሪዛታ።

ነዚ 389 ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ምስ ባህል፣ እምነትን ስርዓትን ሕጊን ኣነባብራ ወዲ ሰብ ዝጻረር ከቢድ ገበን’ዩ ዝበልዎ ምጽማድ ሓደ ዓይነት ጾታ፣ ኣመሪካን ካልኦት ኣካላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለምን፣ ብወገን ከቢድ ምጥሓስ መሰል ደቂ ሰብ እናበላ’የን ዝቃወምኦ ዘለዋ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0