ኬንያ፣ ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ ዕጽዋ ኢንተርነት ከም ፍታሕ ምስ ዝጥቀማ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰሪዓ

Radio Erena:, Friday 28 June 2024

ኬንያ፡ መንግስቲ ንመንእሰያት ንምሕያል ዲጂታላዊ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ምህናጽ ብዙሕ ተስፋታት’ኳ ክህብ እንተጸንሐ ፡ ንተቓውሞ ወይ ህዝባዊ ናዕቢ ተኸቲለን ንኣጠቓቕማ ኢንተርነት ዝገደባ ሃገራት ኣፍሪቃ ተጸንቢራ ኣላ።

ብሰሉስ ኣብ ኬንያ ንጎረባብቲ ሃገራት ኡጋንዳ፡ ብሩንዲን ሩዋንዳን እውን ዝጸለወን ዓቢ ምዝንባዕ ኢንተርነት ኣጋጢሙ።

ዓለማዊ ትካል ምክትታል ሳይበርን መርበብ ሓበሬታን ኔትብሎክስ ብዝሃቦ ሓበሬትታ መሰረት ኢንተርነት ብ42 ሚእታዊት ከምዝወረደ ተገሊጹ።

ብዓለምለኻዊ ተቖጻጻሪ መርበብ ሓበሬታ ሰርፍሻርክ ዝተዳለወ መከታተሊ ዕጽዋ ኢንተርነት ኬንያ ንፈለማ እዋን “መንግስቲ ዝገበሮ” ገደብ ኢንተርነት ከምዘጋጠማ ዘርኢ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ምስተን ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ነዚ ስጉምቲ ዝወስዳ ሃገራት ኣፍሪቃ ተጸንቢራላ።

ዳታ ከምዘመልክቶ ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ 26 ሃገራት ኣፍሪቃ 119 ጉዳያት ሳንሱር ኢንተርነት ከምዝመዝገበ እዚ ማለት ዳርጋ ፍርቂ መንግስታት እታ ኣህጉር ንመብዛሕትኡ ፖለቲካዊ ዕግርግር ንምዕጋት ዕጽዋ ኢንተርነት ከምዝተጠቕማ ይሕብር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኢንተርነት ብምዕጻው ህዝባዊ ናዕብታት ከተሃዳድኣ ካብ ዝፈተና ሃገራት ኣፍሪቃ ኡጋንዳ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ማላዊ፡ ዚምባብወ፡ ኮንጎ፡ ኤስዋቲኒ፡ ጋቦን፡ ካሜሩን፡ ቻድ፡ ኒጀር፡ ቤኒን፡ ቶጎን ካልኦትን እየን።

ኣብ ኬንያ፡ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ጠቕላላ ምዕጻው ኢንተርነት፡ ነታ ሃገር ብገምጋም 13.5 ሚልዮን ዶላር የኽስራ።

መንግስቲ ኬንያ ድሕሪ ዘሕለፎ ሓድሽ ኣዋጅ ወሰኽ ግብሪ፣ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ሳልስቲ ኣብ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ኣነሃሂሩ ዝበሎ መስመራት ኢንተርነት ክዕጹ ከም ዝተገደደ ገሊጹ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0